Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ከምእትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኤቭጌኒ ቴርኪን ገሊፆም።

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱዓለም ምስ ኣምባሳደር ኤቭጌኒ ቴርኪን ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ሀንፀት ሰላም ኢትዮጵያን ሓቢሮም ኣብ ዝሰርሕሎም ኩነታት ተላዚቦም።

ኣይተ ብናልፍ፥ ኣብ ዝኾነ እዋን ፈተና ፀኒዑ ዝነበረ ረከብ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ኢትዮጵያ ንእትገብሮ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ምንቅስቓሳት ሩሲያ ደገፍ ንክትገብር ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ኤቭጌኒ ቴርኪን ብግደኦም፥ ሩሲያ ንኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ መሻርኽታ ኢያ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.