Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ምስ ምዕራብ ዓለም ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ምስ ምዕራብ ዓለም ንምዝርራብ በራ ክፍቲ ምዃኑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭ ኣፍሊጦም።

ሰርጌ ላቭሮቭ ቅዋም ሩሲያ ዝገለፁ÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኣባል ሃገራት “ብሪክስ” ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኢዩ፡፡

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ÷ ሩሲያ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ንምግባ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ይኹን እምበር ከፈራርሓኣ ንዝደልያ ቦታ ከምዘይብላ ምግንዛቦም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

“ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ ዓለም ንዘተ ዝቕመጡ ንምድምማፅን ሓበራዊ ቅዋም ንመሓዝ ዘይኮነስ ትእዛዝ ንምምሕልላፍ ብዝመስል መልክዑ ኢዩ” ክብሉ እውን ሰርጌ ላቭሮቭ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብሪሆም፡፡

ሕዚ እውን ኣሜሪካን መሻርኽታን ተመሳሳሊ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ዝኽተላ እንተኾይነን÷ ሞስኮ ንምፍርራሕ ቦታ ከምዘይብላ ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.