Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ምስ ምስፍሕፋሕ ኔቶ ተተሓሒዙ ካብ ምዕራብ ዓለም ህፁፅ ልዝብ ከምትደሊ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ምስ ምስፍሕፋሕ ትካል ቃል ኪዳን ኖርዝ ኣትላንቲክ /ኔቶ/ ተተሓሒዙ ምስ ምዕራባውያን ህፁፅ ልዝብ ክትገብር ከምትደሊ ኣፍሊጣ።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ምስ ዩክሬን ኣብ ትዋሰነሉ ዶብ ዝተፈጠረጥሪ ኣመልኪቱ ድሕንነት ሞስኮ ናብ ፀገም ከውድቕ ዝኽእል ዋሕስ ንምርካብ ካብ ኣሜሪካን ኔቶን ብህፁፅ ምዝርራብ ከምዝደልዩ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ምዕራብ ዓለምን ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ምስ ኣሜሪካን ኣብ ጉዳይ ፀፅታን ድሕንነትን ቅልጡፍ ዘተ ክገብሩ ከምዝደልዩ ምግላፆም ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ትማሊ ሰሉስ ምስ ፕሬዚዳንት ብልምዲ ሞንጎኛ ሩሲያን ምዕራባውያን ተገይራ ትቑፀር ፊንላንድ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡን ሃገሮም ጉዳይ ፀፅታን ድሕንነትን ሃገሮም ኣብ ትደልየሉ ብምትኳር ምስ ኣሜሪካን ኔቶን ብህፁፅ ልዝብ ክገብሩ ከምዝደልዩ ምግላፆም ተሓቢሩ።

ናይ ሩሲያ ሕቶ ኔቶ ብወገን ምብራቕ ምስፍሕፍሑን ዩክሬን ሓዊሱ ኣብ ጎረባብቲ ግዝኣታት ኣፅዋር ምኽዛኑን ጠጠው ከብል ምግባር ከምዝኾነ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ብስልኪ ተዛቲዮም ኢዮም፡፡

እቲ ወጥሪ ስዒቡ ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ወታደራት ሩሲያ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬን ከምዝሰፈሩ ቲኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.