Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ሓሙሽተ SU-27 ዝዓይነተን ተዋጋእቲ ጄታት ዩክሬን ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈፈወቶ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ SU-27 ተዋጊ ጄታት ከምዘዕነወት ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

እተን ተዋጋእቲ ጄታት መጥቃዕቲ ዝፈፀመት ብኢስካንደር-ኤም ሚሳኤላት ከምዝኾነ ዝሓበረት ሩሲያ÷ ኣብ ክልል ማእኸላይ ፖልታቫ ዩክሬን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ማይሮድ ተወሰኽቲ ክልተ ጄታት ጉድኣት ከምዘብፀሐት ገሊፃ።

ንዕንወት ዝተቓልዓ ጄታት ውግእ ሓዊሱ ካልኦት ተዛመድቲ ኣገልግሎታት ዝህባ ከምዝነበራ ተገሊፁ።

ዩክሬን ብግደኣ ብሩሲያ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር ኣይትኽሓድ እምበር ብወገን ሩሲያ ዝተገለፀ ሓበሬታ ዝተጋነነ ከምዝኾነ ገሊፃ፡፡

ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመን ጉድኣት ምብፅሑን ዘርኢ ናይ ትኪን ባርዕ ሓዊን ምስሊ ዝወፅአ እንትኸውን÷ እቲ መጥቃዕቲ መዓዝ ከምዝተፈፀመ ዕላዊ ከምዘይተገበረ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.