Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ፣ ኢራንን ቻይናን ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍቢሲ)ሩሲያ፣ ኢራንን ቻይናን ድሕንነት ዓለም ለኸ ንግዲ ዓለም ንምሕላው ዘኽእል ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ኢየን።

እተን ሃገራት ካብ ፅባሕ ዓርቢ ጀሚረን ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝፀንሕ ልምምድ ከምዝገብራ ኣቐባሊ ቓል ሓይሊ ሰራዊት ኢራን ብርጋዴር ጀነራል ኣቦልፋዝዮ ሺካሺ ኣፍሊጦም።

እቲ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፥ ብብርኪ ዓለም ወሳኒ መስመር ንግዲ ኣብ ዝኾኑ ሰሜናዊ ውቅያኖሰ ህንዲን ኦማን ባሕሪን ዝካየድ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብቲ ቀጠና ዝረአ ፀገም ፀፅታ ብዘላቕነት ንመፍታሕ ዘኽእል ልምምድ ምዃኑ እውን እቶም ኣቐባሊ ቓል ተዛሪቦም።

ብፍላ ድማ ኣብ ውቅያኖስ ህንዲን ባሕሪ ኦማንን ዝረአ ምንቅስቓስ ሽፍትነት ባሕሪን ግብረ ራዕዲን  ብዘላቒነት ንምቐራፍ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስ ቻይናን ኢራንን ብምዃን ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከምትጅምር መረጋገፂ ሂቦም።

ነዚ ድማ፥ ሪሲያ ኣድላዪ ዘበለ ምድላው ከምዝገበረት እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ፍልፍል፦ https://www.presstv.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.