Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያን ዩክሬንን ዘተኦም ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ክቕፅሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወከልቲ ሩሲያን ዩክሬንን ዘተኦም ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ከምዝቕፀሉዎ ኣቐባሊ ቃል ዲሚትሪ ፔስኮቭ ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ኣብቲ ዘተ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ዝኾኑ ቭላድሚር ሜዲንስኪ ንልኡኽ ሩሲያ ክመርሑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ዴቪድ ኣራካሚያ ድማ ንልኡኽ ዩክሬን ክመርሑ ኢዮም ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ቅድም ክብል ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝሓበሩዎ፥ ተወከልቲ ኬቭ ዕዉት ንኽግበር ዝተኽኣሎም ፃዕሪ ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ቅድሚ መዓልቲታት ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳዩ ኢማኑኤል ማክሮንን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሹልዝ ብስልክ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ ሞንጎ ተወከልቲ ሩሲያን ዩክሬንን ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ልዝባት ከምዝግበሩ ገሊፆም ምንባሮም ሲ ጅ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.