Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያን ዩክሬንን ሰብኣዊ መተሓላለፊ መስመር ንምድላው ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልቲአን ሃገራት ትማሊ ኣብ ቤላሩስ ብዝገበረኦ ካልኣይ ዙር ድርድር ንፁሃን ካብ ከባቢ ኲናት ንኽወፅኡ ዘኽእል  ሰብኣዊ መተሓላለፊ መስመር ንምድላው ኣብ ስምምዕነት ምብፀሐን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ንፁሃን ካብ ቀጠና ኲናት ንምውፃእን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኅረኽቡን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ማይካሂሎ ፖዶሊያክ ብትዊተር ገፆም ኣፍሊጦም።

ንፁሃን ካብ ጉድኣት ኲናት ንምድሓን ጥራሕ መገዲ ክፍቲ ኢዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘቐመጡዎ ፅሑፍ ኣረጋጊፆም፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ድርድር÷ ክልቲኦም ቀገናት ኣብ ወታደራዊን ሰብኣዊን ጉዳያት ከምኡ እውን ነቲ ጎንፂ ፖለቲካዊ መፍትሒ ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምዝታዮም መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ሩሲያ ቭላድሚር ሜዲንስኪ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን ኣብ ዝተወሰኑ ነጥቢታት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅ ዝሓበሩ እቶም መራሒ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ ዓቢዪ ምዕባለ ኢዩ ክብሉ ገሊፆምዎ፡፡

ሳልሳይ ዙር ድርድር ሰላም ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ከምዝኽእል ምሕባሩ እውን ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.