ሩሲያን ቱርኪን ካብ ዩክሬን እኽሊ ናብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስትራት ምክልኻል ሩሲያን ቱርኪን ካብ ዩክሬን እኽሊ ናብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉን ኣብ እዋናዊን ኩነታት ኣድሂቦም ዘቲዮም።
ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብፀሊም ባሕሪ ኣቢሉ ካብተን ሃገራት ብመርከብ ተፃዒኑ እናወፅአ ዝነበረ ናይ ንግዲ እኽሊ ማሕለኻ ኣጋጢሙዎ ኢዩ።
ብምኽምንያት እዚ ድማ ዓለም ለኸ ጠለብ ምግቢ ብፍላይ ኣብ ዕድጊት ጥረምረ ልዑል ፅዕንቶ ፈጢሩ ይርከብ።
ቱርኪ እተን ሃገራ ወፃኢ ንግዲ እኽሊን፣ ዘይቲ ብልዒን ካልኦት ፍርያታት ሕርሻን ናብ ዐለም ለኸ ማሕበርሰብ ንኸቕርባ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ዘለዋ ተስፋ ምግላፃ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡
ሚኒስትር ምክልኻል ሁሉሲ ኣካር፥ ኣብቲ ዞባ ዝዓሰለ ምርግጋ ንምፍራስ ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣመፅቲን ግብረ ራዕዳውያንን ኩርድ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ ንሩሲያ መዘነኦም ሰርጌይ ሾይጉ ነጊሮምዎም፡፡
እቶም ሚኒስትራት ብስልኪ ዘካየዱዎ ዘተ፥ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ኤርዶሃን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣመፅቲ ወታደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኢየ ምባሎም ስዒቡ ኢዩ፡፡
ቱርኪ ብወገን ፀሊም ባሕሪ ምስ ሩሲያ ከምትዋሰን ይፍለጥ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።