Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ ግዘ ሰሌዳ ቀፃሊ ሃገራዊ መረፃ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫን ሰሌዳ ግዘን ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣካቢት ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ፥ 10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ድምፂ ዝወሃበሉ ዕለት ንክኸውን ብዝብል ዘቕረብኦ ሓሳብ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ጁፒተር ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ሓፈሻዊ መርሃ ግብሪ ኣተገባብራ ቀፃሊ ሃገራዊ መረፃ ቀሪቡ ዘተ እናተገበረሉ እንትኸውን፥ እቲ ግዘ ሰሌዳ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ መረፃ ንምክያድ ተሓሲቡ ከምዝተሰናድአ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብ 22 ታሕሳስ ክሳብ 2 መጋቢት 2012 ዓ.ም ምውዳብ ቢሮታት ክልል መረፃ፣ 24 ለካቲት ካርታ ክልል መረፃ ዕላዊ ምግባር፣ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 28 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ምዝገባ መረፅቲ ንኽካየድ ረቂቕ ሰሌዳ ግዘ ቀሪቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ መቕረብን ውሳነ መውሃብን ጊዜ ምልክት ውድድር ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 8 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም፣ እዋን ምዝገባ ሕፁያት 13 ክሳብ 26 ሚያዚያ፣ ወፈሪ ምረፁኒ ካብ 27 ሚያዚያ ክሳብ 5 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ከምኡ እውን ዝርዝር ሕፁያት ዕላዊ ዝግበረሉ 7 ሰነ 2012 ዓ.ም ንክኸውን ዝቐረበ ረቂቕ ልዝብ ይግበረሉ ኣሎ።

መዓልቲ መውሃቢ ድምፂን ከይዲ ውፅኢት ብዝምልከት ንኣድመፅቲ ሓበሬታ ዝወሃበሉ እዋን ካብ 24 ሰነ ክሳብ 19 ነሓሰ 2012 ዓ.ም፣ ወፍሪ ምረፁኒ ዝኽልከሉ እዋን ካብ 6  ክሳብ 9 ነሓሰ 2012 ዓ.ም፣ ድምፂ ዝወሃበሉ ዕለት 10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ከምኡ እውን ውፅኢት መረፃ ብጣቢያታት ምርጫ ዕላዊ ዝግበረሉ ዕለት 10 ክሳብ 11 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ንክኸውን ዝ፪ቀረበ ረቂቕ በቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ውፅኢት ብብርኪ ምርጫ ክልል ዕላዊ ዝግበረሉ እዋን ካብ 11 ክሳብ 15 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ከምኡ እውን ብቦርድ ዝተረጋገፀ ውፅኢት ዕላዊ ዝኾነሉ ካብ 11 ክሳብ 20 ነሓሰ ክኸውን ዝብል ኣብቲ ረቂቕ ተኻቲቱ።

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.