Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ ኣዋጅ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ገፀር ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 26 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ገፀር ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ውሳነ ሓሳብ ናብቲ ባይቶ ብንባብ ዘቕረቡ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ኣይተ ሰለሞን ላሌ እንትኾኑ፥ ኣድላይነት ምምሕያሽ እቲ ረቂቕ ኣዋጁን ኣብ ከይዲ ምርመራ ዝተወገኑ ተግባራትን ብዝርዝር ኣብሪሆም፡፡

እቲ ኣዋጅ ብርኪ ናብራ ሓረስታይ፣ ሰበኽ ሳግምን ክፋል ሰበኽ ሳግምን እታ ሃገር ምስ ዝበፅሐቶ ኩለመዳይ ዕቤት ማዕረ ንኽስጉም ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘላቕነት ብምሕላውን ብምልማዕን ንዝመፅእ ትውልዲ ንምትሕልላፍ፣ መሰል ተረባሕነት መሬት ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ጉዱኣት ኣካልን ሓገዝ ዝጠልቡ ክፋላት ማሕበረሰብን ንምርግጋፅ ዝኽግዝ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብኣባላት እቲ ባይቶ ሰፊሕ ዘተ ምስተገበረሉ፤ ኣዋጅ ቁፅሪ 1324/2016 ብምግባር ኣፅዲቑዎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.