Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ በጀት 2016 ዓ.ም ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብምዃን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ  ካልኣይ  ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 24 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ረቂቕ በጀት 2016 ዓ.ም ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብዝርዝር ይርእይ ኣሎ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2016 ብዝምልከት መብርሂ ነቲ ባይቶ ይህቡ ኣለዉ።

እቲ ባጀት ሸቶታት መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ብሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ፣ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምፅጋን ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ዕላማታትን ኣንፈታትን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ትራንስፎርሜሽን ኣብ ምዕዋት ዝተርኣየ ከምዝኾነን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ዝህሉ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቐፍን መሰረት ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ንበጀት ዓመት 2016 ዓ.ም፥ ንፌዴራል መንግስቲ ስሩዕ ወፃኢታት ብር 369 ነጥቢ 6 ቢሊየን፣ ንካፒታል ወፃኢታት ብር 203 ነጥቢ 9 ቢሊየን፣ ንክልላት ዝወሃብ ደገፍ ብር 214 ነጥቢ 07 ቢሊየን፣ ንደገፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 14 ቢሊየን ብድምር ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብምዃን ናብቲ ባይቶ ቀሪቡ።

እቲ ባይቶ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ክመርሕ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.