Fana: At a Speed of Life!

ሞት ኣዴታት ብ50 ሚኢታዊት ንምቕናስ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ለካቲት  ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሞት ኣዴታት ብ50 ሚኢታዊት ንምቕናስ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

“ኮቪድ-19 ኣብ ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ስነ ተዋልዶ መናእሰይ ኣተሓላልዋ ጥዕና ዘበፅሖ ዘሎ ፅዕንቶ” ብዝብል ርእሲ መበል 29 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ማሕበር ሓካይም ጥንስን ማህፀንን ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ደኤታ ዶክተር ደረጄ ዱጉማ፥ ኮቪድ-19 ምግጣሙ ኣብ ኣተሓላልዋ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ሰፊሕ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተዛሪቦም።

እቲ ለበዳ ንምክልኻል ኣብ ዝተፈፀሙ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት እቲ ሕማም ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ኣብ ኣተሓላልዋ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ዘጋጠሙ ፀገማት ምቕራፍ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ማሕበር ሓካይም ጥንስን ማህፀንን ኢትዮጵያ፥ ኣበቲ ምንቅስቓስ ልዑል ብፅሒት ከምዝነበሮን ሞት ኣዴታት ኣብ ምቕናስ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝሰርሐን ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ጥዕና ብግደኡ፥ ሞት ኣዴታት ብ50 ሚኢታዊት ንምቕናስ ይስራሕ ከምዘሎ ዶክተር ደረጄ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.