Fana: At a Speed of Life!

ም/ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤን ኣይተ ተስፋየ በልጅጌን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተረኺቦም ዑደት ኣሳሊጦም።

እቶም ሓለፍቲ ኣብ ኣብ መስቀል ኣደባባይ እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይን ፕሮጀክት ዜሮ ኪሎ ሜትሮ ሙዜም ዓድዋን ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፥ እዋናዊ ኩነታትን ከይዲ ህንፀትን እቶም ፕሮጀክትታት ብኮንትራክተራት ገለፃ ተገይሩሎም።

ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝነበረ ዑደት ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ተረኺቦም።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፥ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ብዝተደለየ ቅልጣፈ ብምዝዛም ንኣገልግሎት ንኽበቕዑ ኣድላዪ ክትትል ከምዝግብበር ገሊፀን።

ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተረባሕቲ ካብ ምግባር ሓሊፎም ምዕባለ እታ ከተማ ኣብ ምቅልጣፍ ዓቢዪ ግደ ዘለዎም ፕሮጀክታት ከምዝኾኑ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ብእዋኑ ተዛዚሞም ግልጋሎት ንኽህቡ ኣድላዪ ክትትልን ሓገዝን ከምዝግበር ኣብሪሀን።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ንነበርቲ እታ ከተማ ተረባሕቲ ዝገብሩ ፕሮጀክታት ንምስራሕ ተኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕ ምግላፀን ቤት ፅሕፈት ፕሬስ  ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.