Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ደመቀ መኮንን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ብምባል ታሪኻዊ ደጀንነቱ ብተግባር ንኸረጋግፅ ፃውዒት ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 29፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ብምባል ታሪኻዊ ደጀንነቱ ብተግባር ንኸረጋግፅ ፀዊዖም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቅጥዒ ብዘይብሉ ጥፍኣትን ድፍረትን ህወሓት “ትዕግስትና” ከም ፍርሓት “መስተውዓላይነትና” ከም ድኽመት እናተቖፀረ ህዝቢን መንግስቲ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ዋጋ ንኽኸፍሉ ከምዝገበሮም ገሊፆም።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ በቲ ፀላኢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ከሓዲ ጉጅለ፥ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት መግለፂ ሉኣላውነት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ቅጥዒ ዝሰኣነ ሓይሊ፥ ከ,ህዝቢ ኣምሓራ ንምውራር ኣብ ከባቢ ጠገዴ ቅርቃርን ሶሮቃን ዘካየዶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምኡ እውን ክሳብ ጎንደር ንምሕላፍ ዘርኣዮ ንዕቐት፣ እብሪትን ድፍረትን ኣዚዩ ዘሕፍር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ነዊ ሕልሚ እቲ ከሓዲ ጉጅለ ብመከላኸሊ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ምልሻታትን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብምውሳድ ዘመዝገቡዎ ውፅኢት ዝድነቕን ዝምስገንን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ግቡኡ ብብቕዓት እናተዋፅአ እንትኸውን፥ ብርኪ ብብርኪ ዘኹርዕ ተጋድሎ እናመዝገበ ከምዝቐፀለ እውን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.