Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ዓውዲ ምርኢት “ቢግ 5 ኮንስትራክት ኢትዮጵያ 2024” ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንዓውደ ምርኢት “ቢግ 5 ኮንስትራክት ኢትዮጵያ 2024″ ብዕሊ ብምኽፋት ኣጀሚሮም።

ህንፀት ውሽጢ ሃገርን መሰረተ ልምዓትን ብፈጠራን መፍትሒታትን ንምእንፋት ዝዓለመ ”ቢግ 5 ኮንስትራክት ኢትዮጵያ 2024” እቲ ኮንስትራክሽን ኤግዚቢሽን÷ ብሓገዝን ምትሕብባርን ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ (ኢ.ሲ.ደብሊው.ሲ) ዝተሰናደአ ኢዩ።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተኸፈተ እቲ ኤግዚብሽን÷ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ምሁራን እቲ ዓውዲን ተረኺቦም።

እቲ ዓውደ ምርኢት ተዋሳእቲ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ሓደ ብግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዕቤት፣ ማሕለኻታትን ዕድላትን ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንኽግንዘቡ ናይ ምግባር ዕላማ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓቕሚ እቲ ኢንዱስትሪ ንምግንዛብ ህንፀትን ዲዛይንን ከምኡ እውን ሰብ ሞያ ፅገና ህንፀትን ምሕደራ ፋሲሊቲን ሓዊሱ ሓሳባት ናይ ኢንዱስትሪ ውሳነ ወሃብቲ ንምስሓብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

አውደ ርዕዩ አጠቃላይ የኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪውን ከግንባታ አገልግሎት እስከ ስማርት ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂዎች ያካተተ ነው።

ኣብ ዓውደ ምርኢት “ቢግ 5 ኮንስትራክት ኢትዮጵያ 2024” ኢትጵያን ሓዊሱ 24 ሃገራት፣ 156 ዓለም ለኸ ኣቕረብቲ እቲ ዓውደ ምርኢትን ሃገር በቆል ትካላትን ዝሳተፉ እንትኾኑ÷ እቶም 115 ዓለም ለኸ፤ 41 ድማ ሃገር በቆል ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ክሳብ 24 ግንቦት 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ዓውደ ምርኢት ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.