Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ከይዲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህር ዳር ዑደት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ከይዲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህር ዳር ዑደት ተዓዚቦም።

ምክትል ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀኔራል ኣበባው ታደሰ፣ ምክትል ሓላፊ መምርሒ ላዕለዋይ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጀኔራል ዘላለም መንግስቴን ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ኣብቲ ዑደት ተረኺቦም።

ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዲየም ብዝምልከት ብሓለፍቲን ሰብ ሞያን እቲ ክልል መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ካልኣይ ዙር ህንፀቱ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ዝተጀመረ እቲ ስታዲየም፥ ብ1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ይህነፅ ከምዘሎን 57 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ተገሊፁ።

መዐቀኒታት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ብዘማልአ መገዲ ይህነፅ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ብ47 ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ኮንትራክተራት ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ይህነፅ ኣሎ እውን ተባሂሉ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.