Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ሃገር ካብ ውሑድ ጀሚራ ንዝዓበየ ሸቶ እናርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሃገር ካብ ውሑድ ጀሚራ ንዝዓበየ ሸቶ እናርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ሶማሌ ዞን ሸቤሌ ወረዳ ቤር ኣኖ ብመሰኖ ዝለማ ፍርያት ሩዝ ተዓዚቦም፡፡

ኣይተ ተመስገን ኣብ ዞባ ሸበሌ ከባቢ ምዕራብ ጎዴ ብመስኖ ዝለምዐ ኣተኣኻኽባ ፍርያት ሩዝ ዘጀመሩ እንትኾኑ÷ ኣብቲ እዋን ዓውዲ ሕርሻ ልዑል ተስፋ ተነቢሩሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

መንግስቲ ካብ ንኡሽተይ ጀሚሩ ምዕባይን ምስፍሕፋሕን ብተግባር እናርአየ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም÷ ብመስኖ ለሚዑ ንፈለማ እዋን ዝእከብ ፍርያት ሩዝ ኣብ ቀፃሊ ዓቕሚ ምፍራይ እቲ ክልል ኣመልኪቱና ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጅማሮ ንሕርሻ እቲ ክልል ፍልጠት ስግግር ቴክኖሎጂን ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ዘለና መሬት ብምጥቃም ኣብ ቀፃሊ ብዝትግበሩ ስራሕቲ ሕርሻ ርእስኻ ምኽኣል ዝብል ሓሳብ ብተግባር ክረጋገፅ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.