Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ኣብ ህንዲ ዑደት ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ኣብ ህንዲ ዑደት ክገብሩ ኢዮም።

ኣይተ ደመቀ ክሳብ ዝቕፅል ዓርቢ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብምዃኑ ድማ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ዘህነፆ ህንፃን መንበሪ ዲፕሎማሰኛታትን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጀሽንከር ብምዃን ኣብ ዝቕፅል ሓሙስ ክምርቑ ኢዮም ተባሂሉ።

ብተመሳሳሊ ድማ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጀሽንከር ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንዲን ኣመልኪቶም ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.