Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀዳማይ ሚነስትር ደመቀ መኮንን ንኣማባሳደራት ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ገለፃ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚነስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ንኣማባሳደራት ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ገለፃ ገይሮም።

እቶም ሚኒስትር ንኣምባሳደራት ጂቡቲ፣ ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቡሩንዲ፣ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ኣፍሪካን ኢዮም ገለፃ ገይሮምሎም።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምስፈፀመ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ፥ እቶም ኣማባሳደራትን መራሕቲ እተን ሃገራትን ዝገበሩዎ ሓገዝ ከምዘድንቑ ኣብቲ እዋን ገለፃ ገሊፆም።

ደቡብ ኣፍሪካ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ከም ምዃና መጠን ኣብቲ ዞባ ሰላም ንኽመፅእ ትፃወቶ ዘላ ግደ እውን ኣድኒቖም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም፥ እቲ ወፍሪ ንፁሃን ዜጋታት ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅሕን መንግስቲ ኣብቲ ክልል ሕጊን ስርዓትን ንምዕሳል ዝሓዞ ትልሚ ከሳልት ኣብ ዝኽእለሉ ኣግባብ ብቕልጡፍ ምዝዛሙን ነቶም ኣምባሳደራት ኣብሪሆምሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብቲ ክልል ዝተቛረፀ ግልጋሎት ቴሌኮም ሓዊሱ መሰረተ ልምዓታት፣ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዘኽእሉ ኣማራፂታት ምዝርጋሕን ምርግጋፅን ከምኡ እውን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ከዚህ ባለፈም መንግስት በክልሉ ከተቋቋመው ጊዜያዊ አስተዳደር ጋር በቅርበት እየሰራ መሆኑንም አንስተዋል።

እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም፥ መንግስቲ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ጉድኣት እንተይኣብፀሐ ብቕልጡፍ ምዝዛሙ ንኢዶም።

መንግስቲ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ድጋፍ ከምዝገብሩ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.