Fana: At a Speed of Life!

ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጉዳይ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና እውን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና ኢዩ ክብሉ ኣባል ጉጅለ ድርድር ኣባይ ገሊፆም።

እቶም ኣብ ጉዳይ ኣባይ ብዙሕ ምርምርን መፅናዕትን ዘካየዱን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣባል ጉጅለ ልኡኽ ድርድር ኣባይ ብምዃን ዝሰርሑ ዘለዉን ኣይተ ዘሪሁን ኣበበ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ቀንዲ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ማይ ከርሰ ምድሪ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 112 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ሃፍቲ ማይ ከምዘለዋ ዝሓበሩ እቶም ምሁር፥ ካብዚ እቲ 72 ሚኢታዊ ወሓዝቲ ሩባታት ኣባይ፣ ተከዘ፣ ባሮን ኣኮቦን ዝሓዘ ተፋሰስ ኣባይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዛ ሃገር ካብ ዘለዋ ክልላት እተን ሽዱሽተ ኣብ ውሽጢ እዚ ተፋሰስ ዝርከባ እንትኾና፥ ካብ 45 ክሳብ 50 ሚሊየን ህዝቢ ናብርኡ ብቐጥታ ምስቲ ተፋሰስ ዝምድና ዘለዎ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና ኢዩ ኢሎም።

ከምዚ ዓይነት ረብሓ ዘለዎ ግድብ ብፍላይ ግብፂ ከምእትሓስቦ “ኢትዮጵያ ንገይፅን ምርግጋፅ ልዕልነትን እትሃንፆ ግድብ” ተባሂሉ ምግላፁ ብዙሓት መበገሲታት እኳ እንተሃለውዎ መሰረታዊ ስሕተት ከምዝኾነ ግን ምርዳእ የድሊ ክብሉ ድማ ኣይተ ዘሪሁን ኣብሪሆም።

ብድምር ጉዳይ ኣባይ ንኹለን ሃገራት ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ብሓባርን ብምትሕብባርን ክሰርሓ ከምዘለወን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.