Fana: At a Speed of Life!

ምዕባለ ዘፈር ውልቀ ንምብርትታዕ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ይግባእ – ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕባለ ዘፈር ውልቀ ንምብርትታዕ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝካየድ መድረኽ እዋናዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ “ሪፎርም ኣብ ዓውዲ የሎጅስቲክስ” ብዝብል ርእሲ እናተካየደ ዝርከብ መድረኽ ዘተ፥ ዝምልከቶም መዳግቲ ኣካላት ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ዘፈር ውልቂ ንምብርትታዕን ማሕለኻታት ንምውጋድን መንግስቲ ብሄራዊ ሎጂስቲክስ ስትራቴጂ ሓንፂፁ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

ቺፍ ኤክስኪውቲቭ ኦፊሰር ትካል ግልጋሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣይተ ሮባ መገርሳ ብግደኦም፥ መንግስቲ ግደ ዘፈር ውልቀ ንምዕባይን እታወት ንምውሳኽን ክገብሮም ዝግባእ ሓገዝ ከምዝፈለየ ኣብሪሆም።

ኣብ ደረቕ ወደባት እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ከም ኣብነት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሮባ፥ ብመንፅር ቴክኖሎጂ እውን ንስራሕቲ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል እናሳለጦ ይርከብ ኢሎም።

ግደ ዘፈር ውልቀን መዳርግቲ ኣካላትን ከምኡ እውን ፋይናንስ ኣብ ዕቤት እቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣስተዋፅኦ ምድሃብ ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ፕሬዚዳንት ማሕበረሰብ ሎጂስቲክስ ወይዘሮ ኤልሳቤጥ ጌታሁን፥ ብብርኪ ሃገር ንኹሎም ነዳርግቲ ኣካላት ዘተኣሳስር ስርዓት ሎጂስቲክስ ከምዘይተሰናድአ ገሊፀን።

ምጥያሽ ቤት ምኽሪ ሎጂስቲጅስ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ይሕግዝ ኢዩ ዝበላ ወይዘሮ ኤልሳቤጥ፥ “ዓውዲ ሎጂስቲክስ እንትንሓስብ ዋጋ ግዘን ገንዘብን ኣብ ውሽጢ ግምት ክነእቱ ይግባእ” ኢለን።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ዶክተር ማቴዎስ ኢንሰርሙ ብግደኦም፥ ስተራቴጂያዊ ኣቀማምጣ ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ንምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል ረብሓ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብመንፅር ዓለም ለኸ ኣካይዳ ተለዋዋጢን ዓባዪን ድሌት ምህላዉ፣ ዝተሓላለኸ ስርዓት ንግዲ፣ ፅዕንቶ ወፃኢ፣ ዓለም ለኻዊነት ዘምፀኦ ተጋላፃይነት፣ ግደ ዘላቒነት፣ ክእለት ሎጂስቲክስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ስምምዕነት ሃገራትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኩነታት ኣብቲ ዓውዲ ፅዕንቶ ከምዘሕድሩ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ልዑል ምምሕያሽ ንኸርእዩ ኣድለይቲ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ክስርሑ ከምዝግባእ ዶክተር ማቴዎስ ኣገንዚቦም።

መድረኽ እዋናዊ ዘተ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ተኻይዱ ከምዝነበረ ይዝከር።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.