Fana: At a Speed of Life!

ምዕባለ ከተማ ደሴ ብቕልጡፍ ዕላዊ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ኣለዉ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 206 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ወሎ ኣብ ታሪካዊትን ፍልፍል ቆናጁን ከተማ ደሴ ንዝገበረልና ዝደመቐ ኣቀባብላ ልዑል ምስጋና ይግበኦ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥  ኣብታ ከተማ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ምዕዛቦም ገሊፆም።

ምዕባለ እታ ከተማ ብቕልጡፍ ዕላዊ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ምዃኖም ሓቢሮም።

ነባሪ እታ ከተማ ኣብቲ ልምዓት ቀንዲ ተዋሳኣይ ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን እታ ከተማ ዝሓሸ ፅባቐ ከምዝህልዋ ምሉእ እምነት ኣለኒ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.