Fana: At a Speed of Life!

ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተግህ ጥንኩር ኣመራርሓ ኣብ ምፍጣር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመለኻኽታን ተግባራዊ ሓድነትን ብምሕላው ንኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተግህ ጥንኩር ኣመራርሓ ኣብ ምፍጣር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣብ ኩሉ ብርኪ ሓላፍነት ንዝርከቡ ኣመራርሓታት መንግስቲ ዝወሃብ ስልጠና ተጠናኺሩ ዝቐፀለ እንትኸውን÷ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት እውን ንልዕሊ 21 ሺሕን 800 ኣመራርሓታት ናብ ስልጠና ከምዝኣትዉ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብድምፂ ህዝቢ ተመሪፁ መንግስቲ ብምምስራት ዝተቐበሎ ሓላፍነት ንምውፃእ ዓቕሚ ኣመራርሓ ንምጉልባት እናሰርሐ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

በዚ ድማ መንግስቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ኣፈፃፅምኡ ብምግምጋም ጥንካረን ድኽመታትን ከምዝፈለየ ብምሕባር፥ ከም ክፍተት ዝተርኣዩ ንምምላእን ኣመራርሓ ኣብ ቀፃሊ ውፅኢታዊ ንኽኸውንን ስልጠና ዳህሳስ ድሌት ከምዝተሰናደአ ገሊፆም።

ኣመራርሓ ንተለዋዋጢ ዓለም ለኻዊን ሃገራዊ ኩነታትን ንኽዳሎ፣ ስራሕቲ ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብብቕዓት ንኽዋፃእ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ከምዘድለየ ተዛሪቦም።

ዕላማ እቲ ስልጠና ኣመራርሓ ብፍልጠት ምብልፃግ፣ መንፈስን ኣተሓሳስባን ኣገልጋላይነት ክላበስ ምግባርን ልኡኽቱኡ ብብቕዓት ንኽዋፃእ ዝሕግዝ ክእለት ምድንፋዕን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ ብዝብል ዓብዪ ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ጠቐምቲ ሓሳባት ዝሓዙ ዛዕባታት ከምዝተሓንፀፁ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

በዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ብክልተ ዙር ኣብ ዝተውሃቡ ስልጠናታት ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት ልዕሊ 13 ሺሕን 500 ኣመራርሓ ከምዝሰልጠነ ብምሕባር÷ ካብ 30 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ድማ ልዕሊ 21 ሺሕን 800 ሳልሳይ ዙር ሰልጠንቲ ናብ ስልጠና ከምዝኣትዉ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.