Fana: At a Speed of Life!

ምዕራባውያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ሚዛናዊነት ይጎድሎም ኢዩ – ቻይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምዕራባውያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዘዘለዎም ሚዛናዊነት ዝጎደሎ ኣረኣእያ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊፃ።

ቤጂንግ ምዕራባውያን ኣብ ኢራቅ፣ ኣፍጋኒስታንን ሶሪያን ኣብ ዝነበረ ኲናትን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኲናት ሩሲያ – ዩክሬን እናርአዩዎ ዝርከቡ ቅዋም ሚዛናውነት ዝጎደሎ ኢዩ ኢላ ከምትኣምን ብኣቐባሊ ቃል ሚኒትቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዋንግ ዌንቢን ኣቢላ ገሊፃ።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ከምዝበሉዎ፥ ምዕራባውያን ካብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣፍሪካን ላቲን ኣሜሪካን ዝስደዱ ስደተኛታት ንጎኒ ብምባል ሙሉእ ትኹረቶም ኣብ ስደተኛታት ዩክሬን ምግባሮም ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ ኢዩ፡፡

“ኣብ ዩጎዝላቪያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ኢራቅን ሶሪያን ኣብ ልዕሊ ንፁን ዝበፅ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንደሓር ብምባል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዩክሬን ዩክሬን ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ገበን ጦር ኢዮም ኢልካ ምፅዋዕ ተቐባልነት ዘይብሉን ሚዛናዊነት ዝጎደሎን ተግባር ኢዩ” ኢሎም።

ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኩለን ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ የኣምን ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ቻርተር፣ ዕላማታትን መምርሒታትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ግን ክኽበሩ ከምዝግባእ ምግላፆም ኣናዶሉ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.