Fana: At a Speed of Life!

ምዓባለ ሃገር ንምርግጋፅ ብቴክኖሎጂ ዝሰለጠነ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕቤትን ምዓባለን ሃገር ንምርግጋፅ ኣብ ዕዳጋ ዝመርሖ፣ ክእለትን ቴክኖሎጂ ዝበቕዐን ዝሰለጠነን ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ወሳኒ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ኮሌጆች ቴክኒክን ሞያን ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 5 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች አቤቤ÷ ዕቤትን ምዓባለን ሃገር ንምርግጋፅ ኣብ ዕዳጋ ዝመርሖ፣ ክእለትን ቴክኖሎጂ ዝበቕዐን ዝሰለጠነን ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ዓቕሚ ቴክኖሎጂ መሰረት ዕቤት ኢኮኖሚ ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብፍሉይ ጠመተ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ናይ ሎሚ መዓልቲ ተመረቕቲ መርአዪ እዚ ፃዕሪ ከምዝኾኑ ብምግላፅ÷ ልልምዓትን ዕቤትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕዙዝ ግደ ንኽዋፅኡ ኣገንዚበን።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ብ22 ዝተፈላለዩ ዓውዲታ ዝሰልጠኑ እንትኾኑ÷ 30 ሚኢታዊ ትምህርቲ ንድፈ-ሓሳብ 70 ሚኢታዊ ድማ ተግባራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.