Fana: At a Speed of Life!

ምውፋራት ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ሃገራዊ ሰላምን ምርግጋእን ንኸዓስል ልዑል ግደ ነይሩዎም – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

አዲስ አበባ፣ ነሐሴ 2፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ስራሕ ተዘዋዊሮም ብምዕዛብ ኣብ ቀፃሊ ወፍሪታት ዝጠመተ መምርሒ ስራሕ ሂቦም፡፡

እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዘጋጠሙ ምንጋዕ ሰላምን ጎንፂታትን ንኽፍትሑ፤ ሕብረተሰብ እውን ብሰላም ወፂኡ ንኸኣቱ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምውዳድ ብዙሓት ስራሕቲ ኣብ ምውጋን ይርከብ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል÷ ብዝተወገኑ ምውፋራትን ኦፕሬሽናትን ሓይሊታት ፀረ ሰላምን ፅንፈኛታትን ሰላምን ምርግጋእን ሃገርን ህዝቢን ንምህዋኽ ዝሰርሑዎም ዝተፈላለዩ ሽርሒታት ፈሺሎም፡፡

“በዚ ድማ ፀገም ፀፅታ ዘለዎም ከባቢታት ምርግጋእን ሃገር ምፅናዕን ተኻሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብዚ መዳይ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን እቲ ትካል ዝነበሮም ቆራፅነት ልዑል ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ሬድዋን÷ ዝመፅኡ ለውጢታት ኣጠናኺርካ ክቕፅል ንምግባር ዝተወደበ ስራሕ ከምዘድሊ ምግላፆም እቲ ኣገልግሎት ንኢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.