Fana: At a Speed of Life!

ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሕብረብሄራዊነት ዘጠናኽር ኢዩ- ረ/ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ኢትዮጵያ ሕብረብሄራዊነት ዘጠናኽር ኢዩ ክትብል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ገሊፃ።

መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት “ብዙህነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይኽበር ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር ዘሎ “መዓልቲ ብዙህነት” ብዝብል ስያመ ኢዩ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበራ ፃንሒት፥ ኣብዚ ዕለት ዝቐረቡ ባህላዊ ምርኢታት ኢትዮጵያ ሕምብርቲ ዝበለፀ ባህሊን መርኣያ ብዙነትን ምዃና ዘርእይ ኢዩ ኢላ።

እቲ ባዓል ባህሊ፣ ማንነትን ክብሪን እቶም ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ዝረኣየሉ ከምዝኾነ ገሊፃ።

ሐዚ ዘሎ ትውልዲን ቀፃሊ ትውልዲን ሓድነትን ምትእስሳርን ንምጥንኻር ዝጎልሀ ግደ ከምዘለዎ ሓቢራ።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.