Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀ/ሚ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ናብ ቤልጄም ብምምራሕ ንጆሴፍ ቦሬል ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት መብርሂ ሂቦም።

ጁንታ ጉጅለ ህወሓት በቢግዜኡ ዝፍፅሞም ዘግነንቲ ጥፍኣታት እታ ሃገርን ቀጠና ኣፍሪካን ናብ ዝኸፍአ ምትርማስ ከእትዎ ከምዝኽእል ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ እቲ ጉጅለ ዝፈፀሞም ፍፁም ኣረሜንያዊ ዝኾኑ ተግባራት ትኽክለኛ ገፅታ ንምርዳእ ናይ ማይ ካድራ ጨፍጫፍ ከም ኣብነት ብምሕባር ጫፍ ክፍኣት እቲ ጉጅለ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ህልውና ህዝብን ሃገርን ንምሕላው መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብምውሳድ ወሳኒ ምዕራፍ ምብፅሑ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ብዘኽእል ጥንቃቐን ሓላፍነትን ብዝተመልኦ ኣገባብ ክፍፀም ኢዩ እውን ኢሎም።

ብመሰረቱ እቲ ኣጀንዳ ናይዛ ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳይ ብምዃኑ ብዘይ ምንም ጣልቃ ኣእታውነት ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ብዘጋጠመ ፈተና መንግስቲ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.