Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ነቶም ፕሬዚዳንት መብርሂ ሂቦም።

ፕሬዚዳንት ፖል ካጋሜ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ሰላምን ምርግጋዕን ንክነግስ ዘለዎም ትምኒቶም ገሊፆም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ትማሊ ኣብ ሩዋንዳ ዑደት ምግባሩ ይዝከር።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኻዊ ሚኒስትር ምትሕብባርን ሩዋንዳ ዶክተር ቪንሰንት ቢሩታ መብርሂ ምሃቡ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.