ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ኣካል ሕውየት ትግራይ ንግበሮ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ “ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ንምክልኻልን ንምዕጋትን ንውፈር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ንምክልኻልን ንምዕጋትን ዝዓለመ መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንዓውደ ጥዕና ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ኣካል ሕውየት ትግራይ ክግበር ኣለዎ ኢሎም።
እዚ ንምግባር ኩላትና እጃምና ክንፍፅም ይግባእ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብግድኦም፥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናትን ንዑዑ ስዒቡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዘጋጠመ ዕንወትን ሕፅረት መድሓኒት ንኸጋጥምን ቑፅሪ ተጠቓዕቲ ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ካብ እዋን ናብ እዋን ክውስኽን ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ብግዘ የለን መንፈስ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ከምዘረድኡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብዝሃብዎ ርኢይቶ፥ ኣብ ትግራይ ቑፅሪ ተጠቃዕቲ ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ንክንኪ ኩሉ በብዘለዎ ዓውዲ ብዝለዓለ ትኹረት ክሰርሓሉ ፀዊዖም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።