ምንዋሕ እዋን ስግግር ደቡብ ሱዳን ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝምልከቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንዋሕ እዋን ስግግር ደቡብ ሱዳን ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝምልከቶ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ደቡብ ሱዳን ናይ ስግግር እዋን ንተወሳኺ 24 ኣዋርሕ ኣናዊሓ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ውሳንኡ ብጭቡጥ ግምገማ ዝተደረኸ ኢዩ ኢሉ ከምዝኣምን ኣብሪሁ፡፡
መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝተጀመረ ሰላማዊ ልዝብ ብዕዉት መልክዑ ንምስላጥ እዋን መረፃ ንክልተ ዓመት ንኽናዋሕ ውሳነ ምሕላፉ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እንድሕር ኣረዳዲኡን ረብሓ ደቡብ ሱዳናውያን እንድሕር ሓሊዩን ነቲ ውሳነ ብእወንታ ከምዝምልከቶ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መንፈስ ምርድዳእን ምትሕብባርን እዋን ስግግር ዝተረፉ ተግባራት ንምስላጥ ከምዝሕግዝ ዘለዎ እምነት እውን ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ከም ወትሩ እዋን ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ደቡብ ሱዳን ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ጎኒ ደቡብ ሱዳን ጠጠው ከምትብል ኣብቲ መግለፂ ተመልኪቱ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com