Fana: At a Speed of Life!

ምንኽባር መሰላት ኣእምሮኣዊ ንብረት መራኸብቲ ሓፋሽ ብፂሒቶም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ምንኽባር መሰላት ኣእምሮኣዊ ንብረት መራኸብቲ ሓፋሽ ብፂሒቶም ንኽዋፅኡ ቤት ፅሕፈት ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

እተ ቤት ፅሕፈት፥ ኣብ እንታይነት ምልክት ንግዲ፣ ፓተንት፣ ቅዳሕን ተዛመድቲ መሰላትን ኣመልኪቱ ንሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽ መዕበዪ ግንዛበ ስልጠና ሂቡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ እንዳሉ ሞሲሳ፥ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ ዝተመዝገቡ መሰላት ኣእምሮኣዊ ንብረታት ጥሕሰት መሰል እናተፈፀመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

በዚ ድማ ሰብ ዋና ፈጠራ ህዝቢ እናገልገሉ ፀኒሖም ክረኽቡዎ ዝግበኦም ረብሓ እንተይረኸቡ ንፀገም ከምዝተቓልዑ ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ፥ ንብረት ኣእምሮ ደቂ ሰባት ብዘይፍቓድ ምጥቃም ገበን ከምዝኾነን ተሓታትነት ከምዘምፅእን ፈሊጡ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ኣብ ምግንዛብ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘይትካእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ንብረት ፍልጠትን ግንዛበን ኣብ ማሕበረሰብ ኣብ ምስራፅ እውን ክስራ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ ቤት ፅሕፈት ንውፅታት ኣእምሮኣዊ ፈጠራ ደቂ ሰባት ሓለዋ ከምዝገብር ዝገለፁ ኣይተ እንዳሉ፥ ሰብ ዋና ፈጠራ መሰሎም ተኸቢሩሎም ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ስርዓት ከምዝተዘርገሐ እውን ኣገንዚቦም።

ሃገር፣ ማሕበረሰብን ሰብ ሞያታትን ተረባሕቲ ንኽኾኑ፥ ንመሰሎም ተመጣጣኒ ዝኾነ ክፍሊት ኣብ ስራሕቶም ተኣኪቡ ንሰብ መሰላት ክፍሊት ሮያሊቲ ንምኽፋል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.