ምንቅጥቃጥ መሬት ዝኸፍአ ጉድኣት ንከየስዕብ ዘድሊ ጥንቃቐ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ገቢ ረሱ ኣብ ዘለዋ ዝተፈላለያ ጣቢያታት ምንቅጥቃጥ መሬት ብተደጋጋሚ ተራእዩ ኢዩ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዋሽ 7፣ ኣዋሽ ፈንታሌን ወረዳ ኣሚባራን ኣብ ዝርከቡ ውሱናት ጣቢያታት ምንቅጥቃጥ መሬት ብተደጋጋሚ የጋጥም ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዓብዱ ዓሊ ንፋና ዲጂታል መብርሂ ሂቦም።
እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተሰናደአሉ፥ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ልዕሊ 30 መንበሪ ኣባይቲ ጉድኣት ኣጋጢሙ፣ ኣብ ልዕሊ መገዲታትን ሕርሻታትን ናይ ምስንጣቕ ኩነታት ከምዝተርኣየ ገሊፆም።
ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሴስሞሎጂ ትካል ህዋ ሳይንስን ኣስትሮኖሚን ጂኦ ፊዚክስ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፣ መምህር ምንቅጥቃጥ መሬትን ተመራማሪን ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣታላይ ኣየለ(ፕ/ር)፥ ኣብ ቀፃሊ ዝኸፍአ ጉድኣት ንከየጋጥም እንታይ ክግበር ኣለዎ? ንዝብል ሕቶ መብርሂ ሂቦም።
እቲ ሓደጋ ኣብዚ ዕለት ከጋጥም ይኽእል ወይ ኣይኽእለን ምባል ስለዘይከኣል ምምሕዳር እቲ ከባቢ ይኹን ነበርቲ ኩሉ ግዘ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብዮሓንስ ደርበው