Fana: At a Speed of Life!

ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ንዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ልዑል ምንቐቓሕ ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ንዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ልዑል ምንቐቓሕ ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ፡፡

በዚ ድማ ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ዘኽአለ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ኢንዱሰትሪ፣ ቢሮ ኢንዱስትሪታት ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ተፀዋዕቲ ትካላትን÷ ፀብፃብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2015ን መድረኽ ዘተን ኣብ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ መድረኽ÷ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል፣ ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ሓደ ዝኾነ ማሕበረሰብ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ምህናፅ ንቐፃልነት ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ጥንኩር ምትእስሳር ዘለዎ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምፍጣር ቀፃሊ ዝኾነ ምዕባለ ንኽህሉ ብቖራፅነት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዚኢ ፀብፂቡ።

እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.