Fana: At a Speed of Life!

ምንቅስቓሳት ሎጂስቲክስ ዝግምግም መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ሎጂስቲክስን ትራንስፖርትን ምንቅስቓሳት ሃገራዊ ሎጂስቲክስ ዝግምግም መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ አሎ፡፡

ሚኒስትራት ሓዊሱ ኣብ ዓዉዲ ሎጂስቲክስ ዝተዋፈሩ ግልጋሎት ዉሃብቲ ከምኡ’ውን ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ እቲ መድረኽ ዝካየድ ዘሎ፡፡

እቲ ሚኒስቴር÷  ዓዉዲ ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ኢሉ’ዉን ፖሊሲ ምዕባይ ስትራቴጂ ቀሪፁ ብምትግባር ኣብቲ ዓዉዲ ዝተባባዕ ዉፅኢት እናመዝገበ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ሃገራዊ ሎጂስቲክስ ዓወት ንምምፃእ ብመንግስቲን ኣብ ዉልቀ ዘፈርን ዘሎ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዓዉዲ ሎጂስቲክስ ዝተዋፈሩ ግልጋሎት ዉሃብቲ÷ ናይ ትካሎም ግልጋሎት ሎጂስቲክስ ኣወሃህባን ኣፈፃፅማን ፀብፃብ ቀሪቡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዓዉዲ ሎጂስቲክስ ዝረኣዩ ብድሆታት ዘተ ብምክያድ መፍትሒ ኣንፈታት ከቐምጡን ኦፕሬተራት ፅዕነት ትራንስፖርት ዓርሶም ብዓርሶም ልዉዉጥ ልምዲ ከካይዱን ትፅቢት ይግበር፡፡

 

ብየሻምበል ምሕረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.