Fana: At a Speed of Life!

ምትሕብባር ሓይሊታት ምክልኻል ፓን-ኣፍሪካ ዕላዊ ዝገበር ስትራቴጂ ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ሓይሊታት ምክልኻል ፓን-ኣፍሪካ ዕላዊ ዝገበር ስትራቴጂ ከምዘድሊ ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ገሊፆም።

ፈላማይ ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ካብ 5 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣምባሳደር ሬዲዋን፥ ኣፍሪካ ሓድነታ እንተዘይኣተናኺራ ልክዕ ከም ቀደም ናይ ካልኦት መፃወቲት ሜዳ ናይ ምዃን ዕድል ክገጥማ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሓት ማሕበረ ፖለቲካዊ ፀገማት ተብድህ ከምዘላ ብምግላፀ፥ ግብረ ራዕዲታት፣ ፀንፈኛ ሓይሊታት፣ ናይ ባሕሪ ሽፍታታትን ጎንፂታት ዶብን ይሕምስዋ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ሓይሊታት ወፃኢ እውን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣህጉራዊ ስግኣት ድሕንነት ምፍጣሮም ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ምትሕብባር ሓይሊታት ምክልኻል ፓን-ኣፍሪካ ዕላዊ ዝገበር ስትራቴጂ ከምዘድሊ ገሊፆም ከበል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.