Fana: At a Speed of Life!

“ምብዛሕ ማሕለኻታት ካብ ጉዕዞ ብልፅግና ኣይግድበናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ምብዛሕ ማሕለኻታት ካብ ጉዕዞ ብልፅግና ኣይግድበናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተሳሊጡ።

ኣብቲ  መድረኽ፥ መናእሰይን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከተማ ባህርዳርን ምስ ኣመራርሓታት ዉድብ ብልፅግና እታ ከተማ ብምዃን ዘትዮም።

ሓላፊ ዓዉዲ ኣወዳድባ ዉድብ ብልፅግና ከተማ ባህርዳር ኣይተ በሪሁ መንግስቱ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፥ ዉድብ ብልፅግና ማሕለኻታት እናተሳገረ ኣብዚ ምብፅሑ ሓቢሮም።

ንቐፃሊ ፅቡቓት ነገራት ብምጥንኻር ድኽመታት እናስተኻኸልካ ዝግበር ጉዕዞ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኣፍቲ መድረኽ ናይ ዉድብ ብልፅግና ፅቡቓት ጅማሮታትን ማሕለኻታትን መልዓሊ ፅሁፍ ቀሪቡ፡፡

ንምይይጥ ዝቐረበ ፅሁፍ፤ ናይ ኢትዮጵያ ፓለቲካዊ ማሕረኻታት ዝሓለፉ ዘበናት፣ ብልፅግና እቶም ማሕለኻታት ንምስጋር ዝገበሮም ፃዕሪታትን ሃገር ናብ ዝሐሸ  ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ፖለቲካ ንምእታዉ ኣብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ሓሳባት ተላዒሎም፡፡

እቲ መድረኽ ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ ዉድብ ብልፅግና እናተኻየደ ዝፀንሐ ምይይጥ ህዝቢ ኣካል ምኸኑ ገሊፆም፡፡

 

ብለይኩን ዓለም

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.