Fana: At a Speed of Life!

ምስ ጥሕሰት ሕጊ ኣወሃህባ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ዞባ ወላይታ ተዛሚዱ 93 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ጥሕሰት ሕጊ ኣወሃህባ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ዞባ ወላይታ ተዛሚዱ 93 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም።

ቦርድ ምርጫ፥ ውፅኢት ድምፂ ዞባ ወላይታ ምንፃጉ ስዒቡ ንዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሕጊ ምርመራ ክግበር ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ፍትሒን ፌዴራል ፖሊስን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ 93 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓሎም ገሊፆም።

ኣስታት 451 ካብ ዝኾኑ ውልቀሰባት ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታን መረጋገፂ ሰነደን 136 ተጠርጠርቲ ከምዝተፈለዩ ተዛሪቦም።

18 ኣመራርሓ እንትኾኑ፥ 118 ድማ ኣፈፀምቲ ምርጫ ከምዝኾኑ ድማ ተሓቢሩ።

18 ኣመራርሓ ከምኡውን 75 ኣፈፀምቲ ምርጫ ብድምሩ 93 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.