Fana: At a Speed of Life!

ምስ ዝተጀመረ ሓዱሽ ምልማድ ዝጠዓዓም ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን የድሊ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር  ምስ ዝተጀመረ ለውጢ፣  ሓዱሽ ምልማድን ኣንፈተን ዝጠዓዓም ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ከምዘድሊ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ውፅኢታዊ ተግባር ንልዕልነት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል፥ ንሓለፍቲ ትካል ርክብ ህዝቢ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር፥ ከም ሃገር ኣብ ዓውዲ ኮሚኒኬሽን ዘጓነፉና ፀገማት ንምፍታሕ ዝተለመ ስልጠና ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ርክብ ህዝብን ዓውዲ ኮሚኒኬሽንን እወንታዊ ርክብ ብምፍጣር ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ድልየት ህዝቢ ኣብ ምዕዋት ልዑል ግደ ዘለዎ ዓውዲ ብምዃኑ ብኣግባቡ ከንጥቀመሉ ይግባእ እውን ኢሎም።

ከም ሃገር  ምስ ዝተጀመረ ለውጢ፣  ሓዱሽ ምልማድን ኣንፈተን ዝጠዓዓም ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ከምዘድሊ ድማ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.