Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኣይ ኤስ ርክብ ብምፍጣር ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ተጠርጣሪ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ምስ ኣይ ኤስ ርክብ ብምፍጣር ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ተጠርጣሪ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ተፈራ በላይ ወይ ድማ እንድሪስ ተባሂሉ ከምዝፅዋዕ እቲ ተጠርጣሪ ንቤት ፍርዲ ኣመዝጊቡ።

ፖሊስ ፌዴራል ብግድኡ፥ ተጠርጣሪ ብዙሕ መፀውዒ ሽም ከምዘለዎ ገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 1ይ እዋን ቆፀሮ መጋባእያ ዝቐረበ እቲ ተጠርጣሪ፥ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ምድላው እንትገብር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ንመጋባእያ ኣረዲኡ።

ተጠርጣሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከባቢ ኡርጌሳ 12 ሕዳር 2013 ዓ.ም ከምዝሓዞ እውን ፖሊስ ገሊፁ፡፡

እቲ ተጠርጣሪ ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣይኤስ ርክብ ከምዘለዎን ወታደራዊ ስልጠና ብምውሳድ ተግባር ግብረ ራዕዲ ዝፍሙ ኣባላት እናመልመለ ከምዝነበረ እውን ኣብሪሁ፡፡

በዚ ተግባር ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ብር እናከፋፈለ ከምዝነበረ ኢዩ ፖሊስ ንመጋባእያ ዝሓበረ።

ተጠርጣሪ ኣብቲ ተግባር ተሳትፎ ከምዘይብሉ ዝገለፀ ይኹን እምበር፥ ፖሊስ ኣብ ተግባር ገበን ምስታፉ ዘረድእ ሰነድ ምእካቡ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ካልኦት ዝተረፉ ቃል መሰኻኽርን ተሓባበርቱን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ተወሳኺ 14 እዋን ምርመራ ንኽወሃቦ ሓቲቱ።

ቤት ፍርዲ ብግድኡ ተወሰኽቲ 14 መዓልቲ ምርመራ ፈቒዱ።

ብኻሊእ ዜና ምስ መሸጣ ሆቴል ሮቤራ ተተሓሒዙ ብዝተፈጠረ ገበን ግዕዝይና ዝተኸሰሱ ነበር ዋናዳይሬክተር ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብቲ ቤት ፍርዲ ሳልሳይ መጋባእያ ገበን ቀሪቦም።

እቶም ተኸሳሲ ቅድሚ ሕዚ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘስመዐሎም መሰጀኻኽር መረዳእታ መከላኸሊ ንምቕራብ ን12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡዎም።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.