Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ኣርባዕተ ድጂት ብዘለዎ መስመር ስልኪ ምኽሪ ኣገልግሎ ስነ ልቦና ንምሃብ ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ኣርባዕተ ድጂት ብዘለዎ መስመር ስልኪ ምኽሪ ኣገልግሎ ስነ ልቦና ንምሃብ ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት  ከቢድ ፀገም ሰነ-ልቦና ዝገጠሞም ክፋላት ማሕበረሰብ፤ ንዝፈጠረሎም ፀገም ስነ-ልቦና ፍታሕ ንምሃብ ብወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ብናፃ መስመር ስልኪ ኣገልግሎት ምኽሪ ንምሃብ ናብ ምንቅስቓስ ከምዝተኣተወ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ምንቅስቓስ ፍለማ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ብምቕፃል ድማ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ፤ ኣብ ሕውየት ስነ-ልቦና ጠመተ ተጌሩ ብሰብ ሞያ ዝተተፈላላዩ ስራሕቲ ናብ ምስራሕ ከምዝተኣተወ፤ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስ መጥባሕትን ነቲ ወለንታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ሓቂ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል አጣይሾም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ዶ/ር ፋሲካ ዓምደሰላሰ ገሊፆም፡፡

ዶ/ር ፋሲካ ዓምደሰላሰ ንፍና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፤ እቲ ዝነበረ ኩነታት ሲዒቡ ቀሊል ዘይበሃል ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል ማሕበረሰብ ድባተ፣ ፍርሒ ድቃስ ምስኣንን ዛኣመሰሉ ፀገማት ከምዘጋጥሙ ድሕሪ ምግላፆም፤ ነቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ስነ ልቦና ንምፍታሕ ሓቂ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ብምጥያሽ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ብናፃን ሓፂርን መስመር ስልኪ ብስብ ሞያ ኣገልግሎት ምኽሪ  ንምሃብ ከምዝተሓሰበን ናብ ተግባር ከምዝተኣተወን ዶ.ር ፋሲካ ሓቢሮም፡፡

ዕላማ እቲ ምንቅስቓስ ነቲ ማሕበረሰብ ብወለንታውነት ኣድላይ ምኽሪ ሰነ-ልቦና ንምሃብ እዩ ዝበሉ ዶ.ር ፋሲካ፤ ብቀንዲ 3 ዓበይቲ ኣግልግሎታት ምክታቱ እቶም ኣገልግሎታት ድማ ምሃብ ምኽሪ፣ ሕክማናን ሪፈራልን ምዃኖም ኣመላኺቶም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንበዛ ዝበሃሉ ፀገማት ኣይገጠሙናን ዝበሉ ዶ.ር ፋሲካ ነዚ ስራሕ ብቅልጡፍ ናብ ተግባር ንምእታው፤ሓገዝ ሚኒስቴር ጥዕናን ፣ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ንኩሉ እቲ ጉዳይ ይምልከተኒ እዩ ዝብሉ ወገናት ደጋፎም ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብፋኑስ መብራህቱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.