Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኢትዮጵያ ዘለኒ ምትሕብባር ልምዓት ክቕፅል ኢዩ – ኣየርላንድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየር ላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ልምዓት ንምጥንኻር ኢሉ እውን ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንተን ክብ ንምባል ከምእትሰርሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሚሼል ማርቲን ኣረጋጊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ሚሼል ማርቲን ነዝሓለፉ 30 ዓማውቲ ኢትዮጵያን ኣየርላንድን ውፅኢታዊ ርክብ ከምዝነበረን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብቶም ዓማውቲ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢታዊ ምትሕብባር ልምዓት ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ ኣብ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት፣ ትምህርቲን ጥዕናን ዝተባባዕ ሽርክና ምፍጣር ምኽኣለን ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውዲ ግብርና ክሌማዊ ለውጢ ዝፃወር ፍሪያት ምግቢ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ዘለዉ ምትሕብባራት ንምጥንኻር ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.