Fana: At a Speed of Life!

ምስ ትሕዝቶ መሬት ተተሓሒዙ ልዕሊ 132 ሚሊየን ብር ጉድኣት ኣብ ዘብፅሑ ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)4 ሺሕን 392 ካሬ ሜትር ትሕዝቶ ነሬት ብዘይተገበአ መገዲ ንውልቀ ሰባት ክወሃብ ብምግባር ልዕሊ 132 ሚሊየን ብር ጉድኣት ብምብፃሕ ብገበን ዝተጠርጠሩ 84 ተኸሰስቲ ብገበን ገበን ግዕዝይና ክሲ ተመስሪቱ።

እቲ ክሲ ተመስሪቱ ዘሎ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ግዕዝይና ኢዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዳይሬክቶሬት ዓቃቢ ሕጊ ጉዳያት ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ 48 ተኸሰስቲ ብርኪ ተሳትፎኦም ብምፅራሕ ብገበን ግዕዝይና ክሲ መስሪቱ።

ካብ ሞንጎ ተኸሰስቲ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ በዓል ሞያ ሕጊ መፃረዪ ሰነድ ምምህዳር መሬት 1ይ ተኸሳሲ ኣማረ ሞገስ መንግስቱ፤ 2ይ ተኸሳሲ ኣብቲ ክፍለ ከተማ በዓል ሞያ ግምትን መተካእታን መሬት ቢኒያም ደነቀን 4ይ ተኸሳሲ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኦፊሰር ካሕሳ ምምሕዳር መሬት ምስጋናው ማሰቦ ይርከቡዎም።

ኣብቲ መዝገብ ክሲ ካብ ታራ ቁፅሪ 1 ክሳብ 27 ዝተፀርሑ ተኸሰስቲ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ተመዲቦም እናሰርሑ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ካብ ታራ ቁፅሪ 28 ክሳብ 36 ዝተፀርሑ ተኸሰስቲ ድማ ኮሚቴ ሓረስቶት እንተይኮኑ ኮሚቴ ሓረስቶት ኢና ብዝብል ኣብ ወረዳ 10ን ወረዳ 14 ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታትት እናተንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ኢዮም፡፡

ካብ ታራ ቁፅሪ 37 ክሳብ 48 ዝተፀርሑ ተኸሰስቲ ነበርቲ እቲ ከባቢ እንተይኮኑ ነበርቲ ኢና ብምባል ናይ ሕሶት ቃለ ጉባኤ ምቕራቦም ኣብቲ ክሲ ተገሊፁ።

ተኸሰስቲ ብዋና ፈፀምቲ ገበንን ተሳተፍቲ ፍሉይ ተግባር ገበንን ብምዃን ስልጣን ብዘይተገበደ መንገዲ ተገልጊሎም ብዝብል ከቢድ ገበን ግዕዝይና ተኸሲሶም፡፡

እቲ ክሲ ኣብ መጋባእያ ብንባብ ንምስማዕ ንዝቕፅል ሓሙስ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.