ምስ ባዕዲ ነገር ተፀምቢሩ ናብ ሕብረተሰብ ክከፋፈል ዝነበረ በርበረ ተታሒዙ
ኣዲስ ኣአበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተበላሸወን ባዕዲ ነገር ተሓዊሱዎን ናብ ሕብረተሰቡ ክከፋፈል ዝነበረ በርበረ ከምዝተትጋዘ ተገሊፁ፡፡
እቲ በርበረ ዝተትሓዘ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ወረዳ 7 ከባቢ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ-ክርስቲያን ዝርከብ መኽዚን ከምዝኾነ ሓበሬታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት፡፡
ምስቲ ጉዳይ ዝተትሓሓዘ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ግለሰብ በርበረ እናሰናደአ ንሕብረተሰብ ንኸከፋፍል ካብ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ፍቓድ ከምዘይተውሃቦን መረጋገፂ ሰነድ ፅሬት ከምዘይብሉን ተሓቢሩ፡፡