Fana: At a Speed of Life!

ምስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ተተሓሒዙ ዒድ ሶላት እቲ በዓል ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ተተሓሒዙ ዒድ ሶላት እቲ በዓል ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ብምዃኑ ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፈጠር ኣሽከርከርቲ ቀፂሎም ዝተገለፁ መገዲታት ዕፁዋት ከምዝኾኑ ብምግንዛብ ካልኦት ኣማራፂታት ንኽጥቀሙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብመሰረት እዚ፦

  • ካብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ ብቸርህል ጎደና ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ኣብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ፣
  • ካብ ጎተራ መቀላጠፊ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ኣጎና ሲኒማ
  • ካብ ሜክሲኮ ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ኣብ ሜክሲኮ ኣደባባይ፣
  • ካብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ፓርላማ መብራት፣
  • ካብ ኦሎሚፒያ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይ ከምኡ እውን የማንን ፀጋምን ኦሎምፒያ ኣደባባይ፣
  • ካብ መገናኛ ወደ ኡራኤል ቤተ ክርስቲያን የሚወስደው መንገድ 22 መስቀለኛ መንገዱ አካባቢ፣
  • ከካብ ጥቁር ኣንበሳ ሼል ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ጥቁር ኣንበሳ ሼል፣
  • ካብ ሲግናልን ኣቧሬን ናብ ካዛንቺስ ዝወፅእ መገዲ ኣብ ኣቧሬ ሴቶች ኣደባባይ፣
  • ካብ መስቀል ፍላወር ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጋዜቦ ኣደባባይ፣
  • ካብ ቄራ ብሓዱሽ መገዲ ናብ ቂርቆስ ቤ/ክርስቲያን ዝወስድ መገዲ ኣብ ቂርቆስ ቤ/ክርስቲያን መፈላለዪ፣
  • ካብ ጌጃ ሰፈር ብሰንጋተራ ናብ ለገሃር ነዝመፅኡ ኣሽከርከርቲ ኣብ ሰንጋ ተራ 40/60 ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ፣
  • ካብ ኣብነት ብጌጃ ሰፈር ናብ ብሄራዊ ቴኣትር ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ጎማ ቁጠባ፣
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ከባቢ ብሜትሮሎጂ ናብ ብሄራዊ ቴኣትር ኣብ ቤት ዕዮ ሜትሮሎጂ፣
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ከባቢ ብጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል ናይ ድሕሪት በሪ ብሄራዊ ቴኣትር ንዝኸዱ ጥቁር ኣንበሳ ሼል ድሬንስ ከባቢ፣
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ከባቢ ብጎላ ሚካኤል ናብ ለገሃር ንዝኸዱ ኣሽከርከርቲ ኣብ ጎላ ሚካኤል መስቀለኛ ቦታ፣

ይሕለፍ ንዘይብሎም ተሽከርከርቲ ካብ ለይቲ ሰዓት 10 ጀሚሩ እቲ ምድላው ክሳብ ዝዛዘም ዕፁው ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ካብ ፖሊስ ዝተውሃበ ሓበሬታ ብምግንዛብ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ ብዝሕብሩዎ ኣማራፂ መገዲ ንኽጥቀሙን ንትእዛዝ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ ኣድላዪ ምትሕብባር ክገብርን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፀውዒት ብምቕራብ፤ ንኩሎም ተኸተልቲ እቲ እምነት እቲ በዓል ናይ ፍቕሪን ሰላምን ንኽኸውን እውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.