Fana: At a Speed of Life!

ምስ ስርዓተ ምግብን ጥዕናን ዝዛመዱ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ተግባራዊ ክኾኑ ኢዮም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብም ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ) ብምትሕብባር ምስ ስርዓተ ምግብን ጥዕናን ዝዛመዱ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ተግባራዊ ክኾኑ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ናይ ዩኤስኤይድ ኒውትሪሽን ኣባላት ጉጅለ ስርዓተ ምግቢ፣ ልምዓትን ሰላምን ብምጥማር ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ ትሪፕል ኔክሰስ ፕሮጀክት ኣብ ዝድገፈሉ ኩነታት ጠመተ ዝገበረ ምስ ናይ ሚኒስቴር ጥዕና ኒውትሪሽን ዴስክ ሓለፍቲ ዘቲዮም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፥ ዩኤስኤይድ ሓደሽቲ ምስ ስርዓተ ምግቢ ዝተዛመዱ ፕሮጀክትታት ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር ምትግባር ከምዝደሊ ገሊፀን።

እቲ ትካል ንዝትግብሮም ፕሮጀክትታት ሚኒስቴር ጥዕና ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዝገብር ዶክተር መቅደስ ኣረጋጊፀን።

ፊድ ዘ ፊዩቸር ብዩኤስኤይድ ዘትግበር ስርዓተ ምግቢ ፕሮግራም እንትኸውን፥ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ሰገናት ሒንጠያት ዝሓሸ ስርዓተ ምግቢ ተረባሕቲ ንክኾኑ ዝገብር ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.