Fana: At a Speed of Life!

ምስ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ ንካልኦት ዘምህር ኢዩ – ኡሁሩ ኬንያታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”መንግስቲ ፌዴሪኢን ህወሓት ዝገበሩዎ ስምምዕነት ሰላም ንካልኦት ኣፍሪካውያን ኣብነት ኢዩ” ክብሉ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን ኣብቲ ስምምዕነት ልዑል ግደ ዝነበሮምን ኡሁሩ ኬንያታ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣፍልጦን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “እዚ ዕለት መዓልቲ ሰላም ኢትዮጵያውያን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ነዊሕ ከይዲ ምዕሳል ሰላም ብዓወት ተዛዚሙ ናብዚ ንኽበቅዕ ምኽኣሉ ኣብቲ ከይዲ ተሳተፍቲ ንዝነበሩ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ንዝተረፋ ሃገራት ኣፍሪካ ዓብዪ ኣብነት ከምዝኸውን ዝገለፁ ኡሁሩ÷ ኣፍሪካ ንዘላቒ ሰላማ ንኽትሰርሕ ፀዊዖም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.