Fana: At a Speed of Life!

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ክህልወና ኢዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ክህልወና ኢዩ” ክብሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ገሊፆም።

ምጥያሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ርክብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከምዝኾነ እቶም ሓለፍቲ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ የሱፍ፥ ኢትዮጵያ ንሓድነት ኣፍሪካ ብቖራፅነት ዝሰርሐት ሃገር ከምዝኾነትን ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፀጋሚ ኩነታት እናሓለፈት ከምዝኾነን ብምሕባር፤ ኢትዮጵያውያን ፀገሞም ብባዕሎም ዓቕሚ ክፈትሑ ዝኽእሉ ጥንኩራት ህዝቢታት ከምዝኾኑ ምግንዛብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ጅቡቲ ክሉ ግዘ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ከምትብል ጥንሁር ቅዋም ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ሓዱሽ መንግስቲ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓዱሽ ኣድማስ ከምዘሰጋግሮ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ድኤታ ጆን ሙሊምባ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ብዝኾነ ይኹ ኩነታት ዘይልወጥ ምሕዝነት ከምዘለወን ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ዳግም ዕድል ስለዝተውሃቦም ከምዝተሓጎሱ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያውያን ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መልክዑ ሓዱሽ መንግስቲ ምምስራቶም ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ኣምባሳደር እስራል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣድማሱ ኢዮም።

እስራኤል ኣብ ዴሞክራሲ ፅ እምነት ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ብምሕባር ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ መንግስቲ ምጥያሻ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ፅቡቕ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.