Fana: At a Speed of Life!

ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣና ቢጀርድን ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ  ቪክቶሪያ ክዋክዋን ዘተ ኣሳሊጡ።

እቲ ዘተ ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚን ጉዳያት ልምዓትን ኢትዮጵያ ጠመተ ዝገበረ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ በዝሒ ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ገዚፍ ቦታ ዘለዋ ኢያ ኢሎም።

ስለዝኾነ መሻርኽቲ ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢንቨስትመንት ብብርኪ ኣህጉር ከም ዝገብርዎ ኢንቨስትመንት ኢዩ ዝሕሰብ ከብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ መስ ባንኪ ዓለም ዘለዋ መትሕብባር ልምዓት ውፅኢታዊ ከምዝኾነን ክሳብ ሐዚ ብደገፍ ገንዘብ ባንኪ ዓለም ዝስርሑ ፕሮጀክትታት ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ከምዝርከቡ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ፣ ውፅኢታዊነት ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ፣ ዓውዲ ውልቀ ንምጉልባት፣ እግሪ ምትካል ተግባራዊ ንምግባር ደገፍ ባንኪ ዓለም ሓቲቶም።

ብተወሳኺ መስመራት መሰረተ ልምዓት ንምጥንኻር፣ መስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኢኮኖሚ ንምጉልባትን ንኻልኦት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልምዓት ንምቅልጣፍ ተወሳኺ ደገፍ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣና ቢጀርድ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ  ሪፎርም ኢኮኖሚንምግባር፣ ዓውዲ ውልቀ ንምጥንኻር፣ መሰረተ ልምዓት ንምስፋሕ፣ ስራሕቲ እግሪ ምትካል ንምጥንኻርን ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽን እትገብሮ ፃዕሪ ባንኪ ዓለም ከምዝድግፍ ኣረጋጊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.