Fana: At a Speed of Life!

ምርግጋፅ ዉሑስ ሰላምን ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ፈላማይ ተግባር መንግስቲ ኢዩ- ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምርግጋፅ ዉሑስ ሰላምን ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ፈላማይ ተግባር መንግስቲ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሰላም መሰረት ኩሉ ነገር ብምኻኑ ምርግጋፅ ዉሑስ ሰላምን ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ፈላማይ ተግባር መንግስቲ ኢዩ ኢሎም።

ጎንፅን ኲናትን ናይ ዜጋታት ድሕንነትን ናፃነትን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ዲሞክራሲ ብምህዋኽ ሂወት ሰብን ንብረትን ዘዕኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰላም ኣብ ዘይብሉ ምዕባለ ምርግጋፅ ስለዘይክኣል፥ ንምርግጋፅ ሰላም ብዝተደመረ ዓቕሚ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግለፅ፥ ቐፃልነት ሰላም ምፅናዕን ምርግጋፅን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

በሪታት ሰላም ንኩሎም ሓይሊታት ክፍቲ ምዃኖም ስዒቡ ኣብዛ ሃገር ኣንፃራዊ ሰላም ከምዝዓሰለ ተዛሪቦም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበረ ጎንፂ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተውሃቡ ኣንፈታት ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተዓሲሉ መዕባለኣ ዝተረጋገፀን ኣብዚ ዞባ ኢሉ እውን ብብርኪ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ፈጣሪት ክትከውን ኢያ ኢሎም።

 

ምስ ሸኔ ዝተጀመረ ሰላም ናይ ምፅናዕ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምሕባር፥ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልን  ጋምቤላን ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይሊታት እውን ብዝተኸፈተ በሪ ሰላም ምጥቃም ብምኽኣሎም እቲ ከባቢ ዝተረጋግዐን ሰላሞም ድማ ከምዝተረጋገፀ ሓቢሮም።

መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ ሓድነት ግዝኣትን ህብረ ብሄራዊነትን ንዘረጋግፅ ሰላም ምንም ዓይነት ቅድመ ኩነት ከምዘየቐምጥ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።

ንምርግጋፅ ሰላምን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ሓደጋ ንምድሓንን ዓሊሙ ሃገራዊ ጠንካራ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ክልላት እውን ገበነኛታት ንምክልኻል ዘኽእል ዝተጠናኸረ ስሩዕ ፖሊስ ናይ ምህናፅ ስራሕቲ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ከይዲ ምውሓስ ሰላም ንክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.